1. ቤል ይደንንኔቦ ይጒምበስጣኦታቶም ናብ እንስሳን መጽዓኛን ይጸዐን፡ እቶም ዘዘርኩምዎም ነቲ ድኹም መጽዓኛ ከቢድ ጾር ኰይኖም ተጻዕንዎ።

2. ተጐምበሱብሓደ ደነኑነቲ ጾር ኬድሕንዎ ኣይከኣሉንንርእሶምውን ተማረኩ

3. ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩምካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩምስምዑኒ

4. ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየክጸውርን ኸድሕንን እየ

5. መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ከተታኻኸሉንን ኢኹም፧

6. ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን።

7. ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውምካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን

8. ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታትኣብ ልብኹም ተመለሱ

9. ኣነ ኣምላኽ እየብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን።

10. ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ።

11. ንኣሞራ ኻብ ምብራቕነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ።

12. ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሐቕኩም ተረርቲ ልቢ፡ ስምዑኒ

13. ጽድቀይ ኤቕርብ አሎኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነንምድሓነይ ከኣ ኣይድንጒንምድሓን ኣብ ጽዮንክብረይውን ንእስራኤል ክህብ እየ