1. ኣትን ደሴታት፡ ኣብ ቅድመይ ስቕ በላህዝብታት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፡ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፡ ንዑ ሐቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ

2. ነቲ ብጽድቂ ናብ እግሩ ዝጸውዖ መን እዩ ኻብ ምብራቕ ዘተንስኦንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፈ ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ከኣ ኣግዝኦ፡ ንሴፎም ከም ተጐጓ፡ ንመንትጎም ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚቡቚ ገበሮ።

3. ሰጒጒዎምበታ ኣእጋሩ ከቶ ዘይረገጻኣ መገዲ ብደሓኑ ይሐልፍ አሎ።

4. ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧ እቲ ንወለዶታት ካብ ጥንቲ ዝጸውዔ ኣነ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳሕሮት ዘሎን እየ።

5. ደሴታት ርእየን ፈርሃ፡ ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ፡ ቀረቡ መጹ ኸኣ።

6. ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻበለ

7. ጸራቢ ነቲ ኣምካኽ ፍሲ የፋጥኖ፡ በያዲ ኸኣ ነቲ ኣብ ወጻቓ ዚቕጥቅጥ ብናይ ምጥባቑጽቡቕ እዩ፡ እናበለ የፋጥኖከይናቓነቕ ከኣ ብሽንካር የጽንዖ

8. ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብዝሐሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ

9. ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምጻእኩኻ፡ ካብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጸዊዔ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ሓሬኹኻ ኣይነዐቕኩኻን ድማ፡ ዝበልኩኻ።

10. ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

11. እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።

12-13. ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

14. ኣታ ሓሰኻ ያእቆብኣቱም ሰብ እስራኤልኣነ እየ ዝድግፈካኣይትፍራህተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

15. እንሆበሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ ሰረገላ መኼዳ ኽገብረካ እየ፡ ነኽራን ክሳዕ ዚድቈሱ ኸተኺዶምንዀረቢት ከኣ ከም ብቚቡቚ ክትገብሮም ኢኻ።

16. ክትምስእዮም ኢኻ፡ ንፋስ ከኣ ኪወስዶምህቦብላውን ኪዘርዎም እዩ። ንስኻ ግና ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፡ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትሕበን ኢኻ።

17. ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ  እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሐድጎምንን እየ።

18. ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ

19-20. ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊልኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ።

21. ክስኹም ንገሩይብል እግዚኣብሄርመርትዖኹም ኣምጽኡ፡ ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ

22. ይንገሩ፡ እስኪ ነቲ ዚመጽእ ይግለጹልና፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህልኹም፡ ምእንቲ ኽንሐስቦ ፍጻሜኡ ኸኣ ክንፈልጥሲ፡ እስኪ ንገሩና፡ ወይስ ነቲ ዚመጽእ ኣስምዑና።

23. ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ንገሩና። ርኢናስ ሐቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸኣ፡ እስኪ ጽቡቕ ወይስ ክፋእ ግበሩ

24. እንሆ፡ ንስኻትኩም ከንቱ ኢኹም፡ ተግባርኩም ከኣ ብላሽ እዩ፡ እቲ ዚሐርየኩም ድማ ፍንፋን እዩ።

25. ካብ ሰሜን ኣተንሳእክዎ እሞ መጸ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከኣ፡ ንሱውን ንሰማይ ይጽውዖ፡ ከምቲ ስራሕ መሬት ንጭቃ ዚረግጾ፡ ንሱ ኸኣ ንመሳፍንቲ ኸም መሬት ይረግጾም

26. ምእንቲ ኽንፈልጦን ንስኻ ጻድቕ ኢኻ ኽንብልንሲ፡ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧ ዚነግር የልቦን፡ ዜስምዓና የልቦን፡ ቃልኩም ዚሰምዕ ከኣ የልቦን።

27. ቅድሚ ዂሉ ንጽዮን፡ እነውልኪ እቲኣቶም እዮም፡ ዝብል ንየሩሳሌም ከኣ ዘበስር ኣነ እየ።

28. እንተ ጠመትኩሓደ እኳ የልቦን፡ እንተ ሐተትክዎም ድማ፡ ካብቶም መኻሮ ምላሽ ኪህብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።

29. እንሆ፡ ኲላቶም ከንቱነት እዮም፡ ተግባሮም ከኣ ምናምን እዩ፡ እቲ ናይ ፍሲ ምስልታቶም ድማ ንፋስን ባዶን እዩ።