1. ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሐዘን

2. ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ።

3. ሽዑ ኤልያቂምወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ

4. ረብሳቄ ኸኣ በሎምንህዝቅያስ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስንጉስ ኣሶርከምዚ ይብል አሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ፧

5. ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን አሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ አሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ፧

6. እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ወምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል አሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።

7. ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ፧

8. እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶርተዋራረድ፡ ንስኻ ዚቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።

9. ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል፧ ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ አሎኻ።

10. ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ፧ እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያዝበለኒ

11. ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለዉ ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ

12. ረብሳቄ ግናጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ውጽኣቶም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለዉ ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለአኸኒበለ

13. ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶርስምዑ

14. እቲ ንጉስ ከምዚ ይብልህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም

15. ህዝቅያስእግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሀብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም

16-17. ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስልምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ

18. ህዝቅያስእግዚኣብሄር ኬናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ አሎ፧

19. ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው፧ ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው፧ ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም፧

20. ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዜኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ፧ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ

21. ንሳቶም ግና ኣጽቀጡእቲ ንጉስኣይትምለሱሉኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን

22. ድሕርዚ ኤልያቂምወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍእቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተውቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ