1. እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱእምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታትብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱንንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን

2. ግናኸ ንሱ ድማ ጠቢብ እዩ፡ ንእከይ የምጽኦንቓሉ ኸኣ ኣይልውጦን፡ ንምጽራር ቤት እቶም ገበርቲ እከይን፡ ንምጽራር ረዲኤት ዓመጸኛታትን ድማ ይትንስእ

3. እምበኣርከ ግብጻውያንሲ ሰብ እዮም፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፡ ኣፍራሶም ከኣ ስጋ እዮም፡ መንፈስ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ ምስ ዚዝርግሕ ከኣ፡ እቲ ረዳኢ ይዕንቀፍ፡ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ እሞ ኲላቶም ሐቢሮም ይጠፍኡ

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጸዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዚጓዝም፡ ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኲድዂዶኣን ምእንቲ ኺዋጋእ ኪወርድ እዩ።

5. ከምተን ዚነፍራ ኣዕዋፍ ገይሩ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኬዕቊባ እዩ፡ ኬዕቊባን ኬናግፋን ኪንሕፋን ኬድሕናን እዩ።

6. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝረሐቕኩም ተመለሱ

7. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝገበራኦም ጣኦታት ብሩርን ጣኦታት ወርቅን ነፍሲ ወከፎም ኪድርብይዎም እዮም እሞ፡

8. ሽዑ ኣሶር ብሰይፊ ኺወድቕብናይ ሰብ ኣይኰነን፡ እቲ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ። ካብ ሰይፊ ድማ ኪሀድም እዩ፡ ኣጒባዙውን ገባር ኪዀኑ እዮም።

9. ካብ ፍርሃት እተላዕለ እምባኡ ኺሐልፍመሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺፈርሁ እዮም፡ ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮንእቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር