1. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመንንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።

2. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ

3. ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፡ ኲሉ ጊዜ ኤስትዮ፡ ሓደ እኳ ኸይጐድኦለይትን መዓልትን እሕልዎ አሎኹ።

4. ኲራ የብለይን፡ ተዀርባን እሾዂን ኪዋግኡኒ እንተ ዚትንስኡ፡ ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም

5. እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዐረቕንሓይለይ ይሐዝ፡ ምሳይ ይተዐረቕ።

6. በቲ ዚመጽእ ዘመን፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡ እስራኤል ከኣ ኪልምዕን ኪዕምብብን እዩ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኺመልእዎ እዩም።

7. ከምቲ ነቶም ወቓዕቲ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ፧ ወይስ ከምቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ፧

8. ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ ብብርቱዕ ህቦብላኡ ደፍኦ

9. ኣዕኑድ ኣስታርተን ሓወልቲ ጸሓይን ድሕሪ ደጊም ከይትንስኡ፡ ንዂሉ ኣእማን መሰውኢ ኸም ዚሰባበር እምኒ ኖራ ገይሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ስለዚ እቲ ኣበሳ ያእቆብ በዚ ተሰርየ፡ እዚ እዩ ምሉእ ፍረ ምርሓቕ ሓጢኣት

10. እታ ጽንዕቲ ኸተማ ትጽሙ፡ ከም በረኻሰብ ዜብሉ እተሐድገ ስፍራ ትኸውን አላ፡ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፡ ኣብኣውን ይውዕልን ጨናፍራ ይበልዕን አሎ።

11. ጨንገፋ ምስ ነቐጸይስበርኣንስቲውን መጺኤን የንድዳኦኣእምሮ ዜብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን

12. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ካብሪ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ ግብጺ ወሓዚእግዚኣብሄር ፍረ ኼእቱ እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።

13. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ እሞ፡ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ጠፊኦም፡ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺውን ተሰጒጎም ዝነበሩ ኺመጹንእግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።