1. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር ይሁዳ እዚ መዝሙር እዚ ኺዝመር እዩ፡ ጽንዕቲ ኸተማ አላትና፡ ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ኬንብረላ እዩ።

2. እቲ ሓዊ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺኣቱስደጌታት ክፈቱ

3. እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።

4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ

5. ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም፡ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ፡ ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ፡ ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ።

6. እግሪ ኤረ ኣእጋር ድኻታትን ስጒምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ

7. መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ። ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ።

8. እግዚኣብሄር፡ ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናኻስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ።

9. ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ።

10. ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉጽድቂ ኣይመሀርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን

11. እግዚኣብሄርኢድካ ተላዒላ አላ፡ ንሳቶም ግና ኣይርእዩን፡ ግናኸ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ እትጽዕቶ ጻዓት ኪርእዩን ኪሐፍሩን እዮም፡ እወ፡ ንተጻረርትኻስ ሓዊ ኺውሕጦም እዩ።

12. እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽናብጀካኻ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው፡ ግናኸ ብኣኻ ጥራይ ንስምካ ንዝክሮ

14. ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን፡ ጽላሎት ኣይትንስኡን፡ ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምንንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ

15. ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ከበርካንወሰን እቲ ሃገር ኲሉ ድማ ኣርሐብካዮ

16. እግዚኣብሄርብጸበባ ደለዩኻቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ

17. ከም ጥንስቲ ሰበይቲክትወልድ ምስ ቀረበትቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕዎ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና።

18. ጠነስናጻዕሪ ሕርሲ ሐዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንናምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን

19. ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።

20-21. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ አሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ