1. ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ።

2. ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓውነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ።

3. መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።

4. ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

5. ማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ።

6. ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም።

7. ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ።

8. ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ።

9. እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም።

10. ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም።

11. መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸውምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ

12. እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው፧ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ

13. መሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮምንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ

14. እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ

15. ዝዀነ ዕዮርእሲ ወይስ ጭራስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ።

16. በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እያ።

17. ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ።

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢር-ሄሬስ ክትበሃል እያ።

19. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄርኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ።

20. እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ።

21. እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም።

22. እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ።

23. በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም።

24. በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ።

25. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።