1. ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር

2. ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉዓው ኢልኩም ኣድህዩሎምብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ

3. ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮምንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም አሎኹ።

4. ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን አሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ይሀምም አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም አሎ።

5. እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ

6. መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ

7. ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ።

8. ኪስምብዱቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልውተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ።

9. እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶምብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።

10. ከዋኽብቲ ሰማይን እቶም በብጋንታኦም ዘለዉ ኸዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።

11. ንዓለም ስለ ኽፍኣታንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።

12. ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ።

13. ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ።

14. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብንኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ።

15. እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእእተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ።

16. ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።

17. እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ።

18. መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን።

19. ባቢሎንጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ።

20. ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም።

21. ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም።

22. ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን።