1. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ አሎኹ።

2. እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።

3. ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።

4. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑንስሙ ጸውዑግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ

5. ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ

6. ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን