1. ንዑንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምርንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣

2. ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕብመዝሙር እልል ንበለሉ፣

3. እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣

4. መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ።

5. ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ

6. ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርፈጣሪናንንበርከኽ

7. ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰምዕኩም

8-9. ከም ኣብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ

10. በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒመገደይ ዘይፈለጡብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፣ በልኩ

11. ስለዚ፣ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም፣ ኢለ ብዅራይ መሐልኩ