1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧
2. ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧
3-4. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
5. ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ።
6. እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...