1. እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ

2. ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ

3-4. እግዚኣብሄር ኣምላኸይጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩተጻረርተይ ከይፍስሁስነዒንተይ ኣብርሃየን

5. ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ።

6. እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።