1. ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ

2. እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ።

3. ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ

4. ጐይታየበዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒንነፍሰይ ኣሕውያበልኩ

5. ጸላእተይ፣ መአዝ ኰን ኪመውት፧ መአዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧ ኢሎም ብአይ ክፉእ ይዛረቡ አለዉ።

6. ሓደ እንተ በጽሓኒብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ

7-8. ኵሎም ጸላእተይ ብአይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብአይ ክፉእ ይምህዙ አለዉ።

9. እወ፣ እቲ ዝእመኖእንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ

10. ንስኻ ግና፣ ጐይታየምሐረኒክፈድዮም ከኣ ኣተንስአኒ

11. ጸላእተይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ።

12. ንአይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለአለም ተንብረኒ አሎኻ።

13. እግዚኣብሄርኣምላኽ እስራኤልካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽኣሜን፣ ኣሜን።