1. ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፣ ይበል እስራኤል፡-
2. ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፣ ግናኸ ኣይሰዐሩንን።
3. ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሐረሱ፣ ትልምታቶም ኣንውሑ።
4. እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፣ ኣግማድ ረሲኣን በተኸ።
5. ንጽዮን ዚጸልኡ ዅላቶም ይሕፈሩ፣ ንድሕሪትውን ይመለሱ።
6-7. ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፣ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፣ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፣ ከይዐበየ ዚሃጕጕ ይኹኑ።
8. ሐለፍቲ መገዲ ድማ፣ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፣ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም አሎና፣ ኣይብሉን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...