1-2. እግዚኣብሄር፣ ካብቲ እኩይ ሰብ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑኵሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ

3. መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፣ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት አሎ። [ሴላ።]

4. እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፣ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፣ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኵሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ

5. ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑመድፈና ኣጻወዱለይ። [ሴላ።]

6. ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልክዎ፣ ዎ እግዚኣብሄርንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።

7. እግዚኣብሄርጐይታይሓይሊ ምድሓነይብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ

8. እግዚኣብሄርከይዕበዩስንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፣ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ። [ሴላ።]

9. እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።

10. ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፣ ናብ ሓዊ፣ ናብቲ ዘይወጹሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዮ።

11. ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምንንገፋዒ፣ ክሳዕ ዚወድቕ፣ እከይ ኪሀድኖ እዩ።

12. እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓትቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎምእፈልጥ እየ።

13. ብርግጽ፣ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም።