1. ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቊበ አሎኹ፣ ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፧
2. ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3. መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧
4. እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም ኣለዋ።
5. እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6-7. እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...