1. ኣምላኽስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል።

2. እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፣

3. ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም አለዉ።

4. ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ።

5. ሐቢሮምተማኺሮምኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፣

6. ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንንሞኣብን ኣጋራውያንን

7. ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅንፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ

8. ኣሶር ድማ ሐቢሮም፣ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም።

9. ከምቲ ንምድያንንሲሰራንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም

10. ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ።

11-12. ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስኢሎም አለዉ እሞ፣ ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፣ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም

13. ኣምላኸይ፣ ከም ህቦብላ፣ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም

14. ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ

15. ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎምብዘራጊቶኻ ድማ አሸብሮም

16. እግዚኣብሄርስምካ ኺደልዩስንገጾም ነውሪ ምልኣዮ

17. ንዘለአለም ይነውሩን ይሸበሩንይሕፈሩን ይጥፍኡን

18. ንስኻ፣ ጐይታ ዝስምካ፣ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፣ ይፍለጡ