1. ጓሳ እስራኤልጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥበሪህካ ተገለጽ።

2. አብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ አተንስእንምድሓንናውን ንዓ

3. ኣምላኽምለሰናክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና

4. እግዚኣብሄርኣምላኽ ሰራዊት፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ

5. እንጌራ ንብዓት አብላዕካዮምብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም

6. ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና አሎኻ፣ ጸላእትናውን የላግጹልና አለዉ።

7. ኣምላኽ ሰራዊትምለሰናክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና

8. ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ

9. አብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት

10. ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።

11. ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ውልዶታታ ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሔት

12. ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ ኪቕንጥብዋስ፣ ስለምንታይከ ሓጹራ ዘፍረስካ

13. ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፣ እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ አለዉ።

14-15. ኣምላኽ ሰራዊትተመለስ፣ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤእንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፣ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፣ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም

16. ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት። ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ አለዉ።

17. ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን።

18. ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፣ ህይወት ሀበና፣ ብስምካውን ክንምህለል ኢና።

19. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊትምለሰናክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና