1. ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ

2. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ

3. በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።

4. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ።

5. እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፣ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም

6. አብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድብሬሳታት ኪመልኦርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ

7. አብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፣ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።