1. ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።
2. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3. በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
4. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ።
5. እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፣ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፣
6. አብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፣ ብሬሳታት ኪመልኦ፣ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።
7. አብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፣ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...