1. ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፣ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል አሎኹ።
2. ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፣ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር።
3. መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፣ መገደይ ፈለጥካ፣ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ።
4. ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፣ ዚፈልጠኒ የልቦን፣ መዕቈቢ ሰአንኩ፣ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን።
5. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻ መዕቈብየይ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ።
6. ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፣ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ።
7. ንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...