LIVE Sunday Service [Eritrean Evangelical Church] WATCH NOW!!
LIVE Sunday Service [Ebenezer Eritrean Church DC] WATCH NOW!!
LIVE Sunday Service [Bisrat Wengel Eritrean Church] WATCH NOW!!
Verse of the Day!
"... እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ ..."
1ሳሙ 16:7ለ
Recent Contributor

Devotional Message

ወረስቲ ኣምላኽ
“...ውሉድ ካብ ኰንካ ግና ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።” ገላ.4:7ለ
ሓደ ካብቲ ባህ ዘብል ናይ ኣምላኽ ነገር መሰል ውልድነት ምውሃቡ እዩ። እዚ መሰል ውልድነት እዚ ብምርዓም (adoption) (ከምቲ ሓንቲ ላም ንዘይውሉዳ ብምርዓ ከም ውሉዳ ትቕበሎ) ዝርከብ ዘይኮነስ ብዳግም-ልደት (regeneration) ዝርከብ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጸባ ካብ ምምጋብ ጀሚሩ እናዓበና ክንከይድ ዝግብኣና። ቀደም ባሮት ሓጥያት ጽነበርና ሕጂ ግና ውሉዱ ጌሩና።

ባርያ ኣብ ትሕቲ ጐይታኡ ይነብር፡ ውሉድ ግና ኣብ ትሕቲ ኣቡኡ። ባርያ ዘርኢ ናይ ጐይታኡ የብሉን፡ ውሉድ ግና ተማቓሊ ባህሪያት ኣቡኡ እዩ። ባርያ ንጐይታኡ ብራዕዲ ይግዝኦ፡ ውሉድ ግና ነቡኡ ብፍቕሪ ይግዛእ። ባርያ ድኻ እዩ፡ ውሉድ ግና ሃብታም። ዝያዳ ኹሉ ድማ ባርያ ኣይወርስን እዩ፡ ውሉድ ግና ወራሲ እዩ። ስለዚ ድማ ብሞት ክርስቶስ ውልድነት ኣምላኽ ዝረኸብና፡ ውልድነትና ኣብዛ ምድሪ ከየብቅዐ፡ ነታ ብኢድ ሰብ ዘይኮነስ ብኢድ ኣምላኽ እተሃንጸት ሰማያዊት ቤትና እንወርስ ወረስቲ ኣምላኽ ኢና እሞ ባህርያት ኣቦና ወሪስና ንመላለስ።
ጸሎት: ዎ'ኣምላኽ ብሞት ወድኻ ወራሲ ስለ ዝገበርካኒ ብኢድካ እተሃንጸት ሰማያዊት ቤት’ውን ስለ እተውርሰኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብዛ ምድሪ ድማ ዕለት ዕለት ናትካ ባህርያት ሒዘ ክመላለስ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ኣሜን!

Daily Bible Reading

ግንቦት 20, 2012


ዮሃንስ 5
ዮሃንስ 6

መደብ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ PDF

Article

ሰብ ንኣምላኽ ምፍርሑ ዝረብሖ ረብሓታት እንታይ እዩ። 1 ኣምላኽ ነቶም ዝፈርህዎ ኩላቶም ሓልየቱ ብምልኣት እዩ ዘርእዮም ቃል ኣምላኽ ከኣ ኣብ...
See More

Booklet

እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ጉዕዞ ህይወትካ እትድህስስን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎኻ እተፍልጥን መጽሓፍ እያ። ትፈልጥ ኢኻ፡ ሰብ ኣብ ህይወት...
See More

Magazine

ኤቤን-ዔዘር-4

ትሕዝቶ
መልእኽቲ ምድሓን - ተመለስ...ገጽ.2
ቤተክርስቲያን - ናበይ ገጽና ንኸይድ ኣሎና...ገጽ.3
ማሕበራዊ ህይወት - መንእሰይን ሓዳርን...ገጽ.5
ቃለ-መጠይቕ...
See More

Newspaper

ኤሊም-49

ትሕዝቶ
ገጽ 1. መልእኽቲ ድሕነት
ገጽ 2. ክቡር ሰብ ኢኻ
ገጽ 3. ምሕደራ ገንዘብ ኣብ ሓዳር
ገጽ 4. ፋሲካ
ገጽ 5. ዓምዲ ህጻናት
ገጽ 6. መርዓ እንታይ...
See More

Bible Study

መጽናዕቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ “ንኣምላኽ ስለ ሕብረትና ምምስጋን”

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ፍርዱ አንዳተጸበየ ከሎ ሓያሎ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እንከሎ ዝጸሓፈን መልእኽትታቱ ብመምሃራን መጽሓፍ ቕዱስ “መልእኽቲ ቤትማእሰርቲ” ተባሂለን ይጥቀሳ።...
See More

Christian Living

ሓድሽ ፍጥረት

ትሕዝቶ
1. ሓድሽ ፍጥረት
2. ቀዳማይ ትምህርቲ - ቅኑዕ ሕልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ
3. ካልኣይ ትምህርቲ - ሓሳብ ኣምላኽ ምህላው (ራእይ)
4. ሳልሳይ ትምህርቲ - ተማቓሊ ሓሳብ ኣምላኽ
5. ራብዓይ ትምህርቲ - ካብ ኣምላኽ...
See More

Conference AD
New Album and Book AD