መክሊትካ ኣብዝሕ

Posted on 2012-03-17 · 1193 · 0 · 0

12 resources uploaded

ምድራዊ ምቕባል ... ተቐቢልካ ንነብስኻ
ነፍሰ-ፍትወትካ ንምርዋይ ... ንውልቅኻ
ምሃብ ... ምክፋል ዘይብሉ
ናብራ ንውልቁ ... ንሓላሉ

ኣቤት ሰማያዊ መንነት ግና ኣደናቒ
ናብ ምድሪ ምስ መጸ ... ናብ ኣመንቲ
እቲ እትቕበሎ ... መታን ከተካፍሎ
ይወሃበካ ... ኣሽሪፍካ ከተዋህልሎ

እንካ ንእንካ ተቐብላ
እንካ ተቐቢላ’ውን ንኻልእ ተመሓላልፈላ
እቲ ዝተቐበልካዮ መክሊት ... ንኸተብዝሖ
ናብ ካልኦት ኣብዚሕካ ... ከተብጽሖ
ክውሕዝ ብኣኻ እቲ ሂወት
ኣብ ካልኦት ክበዝሕ ... እቲ ምህርቲ ካዕበት
ኣቤት ደስ ዘብል ነገር
ጐይታ ከምኡ ብምዃን ... ኣሕዲሩልና መስተንክር
ኣገራሚ ጸጋ ... ምልኣቱ ዝውንጨፍ ብኣድራጋ
ነዚ ምሉእ ጸጋ ... ዝተውሃበካ ብኸምኡ
መክሊትካ ከተሽርፍ ... ከድልየካ’ዩ ብኣግኡ
ተንስእ ... ካብ ትማሊ
ናይ ሕጂ ኢኻ ... ሎሚ
እዛ ሎሚ ... ንጽባሕ ተስግረካ ብሂወት
ክትሰግር ናብ ዓወት

"እቲ ብክርስቶስ ኩሉሳዕ ናብ ዓወት ዝመርሓና፣ ብኣና’ውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝገልጽ ኣምላኽ ... ብሩኽ እዩ ብሓቂ"

0 comments
Other Poem