ዳግመ ግምት ንምድላዋት

Posted on 2013-08-11 · 1259 · 0 · 7

12 resources uploaded

ማዕከን ማሕፉዳኻ.... ምልኣቱ
እንታይ ጸፍጺፍካሉ.... ኣብ እንዳእቱ
ኣበይ ተነቢሩ.... እቲ ምንባሩ
ድሉው’ዶ ጌርካዮ.... ድሉውነቱ።

ወዲ-ሰብ ዝመጻላ ሰዓት.... ብዘይምፍላጥካ
ሃንደበት ደበኽ ይብል’ሞ.... የዳህልለካ

ኣቤት ሽዕኡ ዘሎ.... ታዕታዕ
ነቒሕካ እንተዘይጸኒሕካ.... ንምትንሳእ
ጭራሕ ምራሕ ከይኮነ.... ንዕኡ ንምቕባል

ሕጂ ሕቶ ይፈጠር.... ኣብ ሕልናኻ
ድሉው ምዃንካ.... ዘይምኻንካ

ህይወት ኣብ ሕቶ ወጥሪ.... ትእቶ
መጻኢ ኩነት ካብ ሕጂ.... ከተቋምቶ

እቶም ሓቛቁኦም.... እተዓጥቁ
ኩሉሳዕ ድሉዋት ኮይኖም.... ዝጽበዩ
ኣብቲ ጭራሕ-ምራሕ.... ይጽንበሩ
ሓድነቶም ምስቲ ወዲ-ሰብ.... የበስሩ

ኣቤት ሽዕኡ ዘሎ.... ዕልልታ
ነቒሕካ እንተጸኒሕካ.... ብሃንቀውታ

ክትወርስ ነቲ.... ርስትኻ
ምስ ጎይታ ክትነብር.... ንሓላልካ
መርምር.... ሂወትካ!

7 comments

ተባረኺ ዮርዳ ሓፍተይ።

ተባረኺ ዮርዳ ሓፍተይ።

ኣምላኽ ይባርኽካ ማይክ ሓወይ' ሂወትካ ዘጠምት ግጥሚ።

ሓጉሻ ሓወይ ጎይታ ይባርኽካ!

· 2013-10-09
ኣሜን፤ ተባረኽ ሚኪ ሓወይ.

ተባረክ ኤርሚ ሓወይ። የሱስ ጎይታ እዩ!

ኣሜን! ንህይወትና ኩሉ ግዘ ዳግመ ግምት ክንገብረሉ አሎና! ተባረክ ሚኪ!
Other Poem