ፍቓድካ ይፈጸም

Posted on 2012-01-03 · 1420 · 0 · 1

107 resources uploaded

የዒንቲ ገፊሑ
መዝሮቒ ናብ ልቢ
ድሌት ተኣኪቡ
‘ጸጽባሕ ኪዓቢ
ኣእላፍ ኮይኑ ብዝሑ
ከዋኽብቲ ሰማይ
ረዚኑ ክብደቱ
ከም ሑጻ ናይ ቀላይ።

ስለዚ...
ትምኒተይ ክረክብ ናባኻ ጨዲረ
ኣብ እግርኻ ‘ፍስሶ
ኣብ ልበይ ‘ተዓቑረ
መልሲ ሕቶ እንዲኻ
ምንጪ ዕጋበተይ
ኣሚነ ንዓኻ
መልስኻ እጽበይ።

ግን...ጐይታ
ኣይኣምኖን’የ ምርጫይ
ፍጹምዩ ኣይብልን
ሓሳብካ’ዩ ቅኑዕ
ገለ እንታ ዘይውንን
ኣይ ከም ጸሎተይን
መደብካ’ዩ ግሩም
ድሌተይ ተሪፉ
ፍቓድካ ይፈጸም!!

“ኣቦ ዝካኣል እንተኾይኑስ እዛ ጽዋእ ኣዚኣ ካባይ ትሕለፍ።
ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እንበር
ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።”
ማቲ 26.39

1 comments

አሚን አሚን
Other Poem