ኣቤት ፍቕሪ

Posted on 2012-02-01 · 1133 · 1 · 0

1 resources uploaded

ብልቢ እየ ዘፍቕረኪ
ካልእ ኣየፍቀርኩን እንትርፎ ንዓኺ
ዘረብኡ ይጅምር'ቲ ምሩኽ ፍቕሪ
ፍቕሩ ከም ዝቕጽል
ከም ዘለዎ ዕምረት

ምሳኺ ሞት'ዩ ዝፈልየና
ዋላ ሓደ የለን ዝኣቱ ኣብ ሞንጐና
ዘረብኡ ይቕጽል ብዘስድዕ ቃላት
ንዘይተወሰና ሓጸርቲ መዓልታት
ስራሕ ጀመረት እታ ሰንካም ዓይኒ
ምስ ኣለዓዓለት ነቲ ሕሱም ወኒ
ስርሓ ተጠናቕቕ ኣኸቲላ ጥልመት
መሰረት ዘይብሉ ደንጉዩ'ኳ ንዕንወት

ፍቕሪ ፍቕሪ ፍቕሪ
ፍቕሪ ደቂ ሰባት እዚ'ዩ ኮይንዎ
ውሽጡ እዚ ዕረ መዓር ከቢብዎ
ካልእ ፍቕሪ ደልየ ካብ'ዚ ዝሓየለ
ወይ ቅሩብ ዓሽየ ብዙሕ ተዳህሊለ
ፍቕሪ ልዑል ከሎ ፈጺምካ ዘይውዳእ

ኣቤት ፍቕሪ ኣምላኽ
ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽሓፍ
ቀላያት ባሕርታት ውቅያኖሳት
ቀለም እንተዝቕየሩ
ሰማያት ወረቐት ንምዃን እንተዝተሩ
ደቂ ሰባት ንምጽሓፉ ኣእዳዎም እንተዝግትሩ
እቲ ማያት ምሃፈፈ ቀለሙ ሓንኪኹ
ሰማያት ምጸበበ ብድፍረቱ ሓኒኹ
ሰባት ምደኸሙ ወዲኦም ጉልበቶም
ዋጋ ከም ዘይብሉ ምረኣዩ ፍቕሮም
ኣቤት ፍቕሪ

0 comments
Other Poem