ሓንቲ መኽሊት

Posted on 2022-07-14 · 425 · 0 · 0

122 resources uploaded

ዝሃብካኒ መኽሊት
ዝሃብካኒ ምና
መዓስ ንኢሳ
መዓስ ውሒዳ
ብዓለባ ኣይቋጽራን
ኣይሓብኣን ኣይቀብራን
ብምስጋና መሊኤ
ብእምነት ብተስፋ
ንፋስ ከይርኤኹ ደበና
ክዘርኣየ ከሽርፋ!

"...እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ።"
ማቴ.25፥13-15

0 comments
Other Poem