1. ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ እቲ ምስ ሚድያን ክትዋጋእ ክትከይድ ከሎኻ ዘይጸዋዕካናእዚ ዝገበርካናስ እንታይ ነገር እዩ፧ በልዎብሓይሊ ኸኣ ተኻራኸርዎ

2. ንሱ ድማ፡ ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፧ ካብ ምቚራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን

3. ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፧ ሽዑ እዚ ዘረባዚ ምስ ተዛረበ፡ ዅራኦም ሀድኤ

4. ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይን ተሳገሩደኺሞም ከለዉ እኳ ይሰጉ ነበሩ።

5. ንሰብ ሱኮት ከኣ፡ ኣነ ደድሕሪ ዜባሕን ጻልሙናንነገስታት ሚድያንእሰጕግ አሎኹ፡ እዞም ዚስዕቡኒ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሀብዎምበሎም

6. እቶም ሹማምቲ ሱኮት ግና፡ ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ በሉ

7. ጊዴዎን ከኣ፡ ግዲ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ንዜባሕን ጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሀበኒንስጋኹም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ፡ በለ

8. ካብኡ ናብ ፋኑኤል ደይቡ ኸኣ ንኣታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ፋኑኤል ድማ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ

9. ንሰብ ፋኑኤል ከኣ፡ ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ፡ በሎም

10. ዜባሕን ጻልሙናን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካብ ብዘሎ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝተረፈ ሰራዊቶም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ሽሕ ዚኸውን ሰብ ኣብ ቃርቆር ነበሩ፡ እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ነበሩ።

11. ጊዴዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ዚነብሩ ደዪቡ፡ ነቲ ኣብ ሰፈር ሀዲኡ ዘሎ ሰራዊት ወቕዖ

12. ዜባሕን ጻልሙናን ድማ ሀደሙ፡ ንሱ ግና ስዒቡ ሰጐጎምንኽልቲኦም ነገስታት ሚድያን፡ ንዜባሕን ጻልሙናን ማረኾም፡ ንብዘሎ ሰራዊትውን አሸበሮ

13. ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ካብ ውግእ፡ ካብ ዓቐበት ሔረስ ተመልሰ

14. ካብ ሰብ ሱኮት ሓደ መንእሰይ ሒዙ ሐተቶ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ሱኮት ሹማምትን ዓበይትን ሰብዓን ሾብዓተን ሰብ ጸሐፈሉ

15. ናብ ሰብ ሱኮት መጺኡ ድማ፡ ነቶም ድኹማት ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ ኢልኩም ዘባጮኹምለይሲ፡ ዜባሕን ጻልሙናን እነዉ፡ በሎም

16. ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙእሾኹ በረኻን ዳንዴርን ድማ ወሲዱ፡ ንሰብ ሱኮት ብእኡ ቐጽዖም

17. ንግምቢ ፋኑኤልውን ኣፍረሶንሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ቀተሎም

18. ንዜባሕን ንጻልሙናን ድማ፡ እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎ ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ከማኻ ዝበሉ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ውቃቤኦም ደቂ ንጉስ ይመስሉ፡ ኢሎም መለሱሉ

19. ንሱ ኸኣ፡ ኣሕዋተይደቂ እኖይ እምበር እዮም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ብህይወት እንተ ትሐድግዎምሲ ኣይምቐተልኩኹምንበለ

20. ንየተር በዅሪ ወዱ፡ ተንሲእካ ቕተሎምበሎ። እቲ ወዱ ግና፡ ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ ፈሪሁ ሴፉ ኣይመሰተን

21. ሽዑ ዜባሕን ጻልሙናንሰብ ከምቲ ዘለዎ ሓይሉ ድማ ከምኡ እዩ እሞ፡ ንስኻ ግዳ ተንሲእካ ውደቐናበሉጊዴዎን ከኣ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፡ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከኣ ወሰደ

22. ሽዑ ሰብ እስራኤል ንጊዴዎን፡ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡናበልዎ

23. ጊዴዎን ከኣ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምንወደይውን ኣይገዝኣኩምን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩምበሎም

24. ጊዴዎን ድማ፡ ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ እልምን አሎኹ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ሀቡኒበሎም። - ንሳቶም እስማኤላውያን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም -።

25. ንሳቶም ከኣ፡ ተሐጒስና ንህበካበሉክዳን ድማ ዘርግሑነፍሲ ወከፍ ከኣ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ናብኡ ደርበየ

26. ብጀካ እቲ ኣብ ነገስታት ሚድያን ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ደቋታት፡ እቲ ዝመለኖ ቐላብቲ ወርቂ ሚዛኑ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሲቃል ወርቂ ዀነ።

27. ጊዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፡ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ። እዚ ኸኣ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ዀነ።

28. ሚድያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ርእሶም ኣየልዐሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘበን ጊዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት

29. የሩብ-በዓል ወዲ ዮኣስ ከኣ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ

30. ጊዴዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቜኡ ዝወጹ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።

31. እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉስሙ ኸኣ ኣቢሜሌክ ኣውጽኣሉ

32. ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ብጽቡቕ እርግና ሞተ፡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ከኣ ተቐብረ

33. ኰነ ድማ፡ ጊዴዎን ምስ ሞተደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ዘመዉንበዓል-በሪት ኣምላኾም ገበርዎ

34. ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ዘድሐኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን

35. ንቤት የሩብ-በዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገርሲ፡ ገለ ሞያ እኳ ኣይገበሩሉን