1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብጊዜ ዓጺድ ስርናይሲምሶን ንሰበይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ አሎኹ፡ በለኣቦኣ ግና ኪአቱ ኣይፈቐደሉን

2. ኣቦኣ ኸኣ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዓርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደኣ ንኣኻ ትኹን፡ በለ

3. ሲምሶን ከኣ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎምበደል የብለይንበሎም

4. ሲምሶን ድማ ከይዱ ሰለስተ ሚእቲ ወኻርያ ሐዘፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ

5. ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዘራእቲ ፍልስጥኤማውያን ፈነወንቅሚጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትክልቲ ኣውልዕን ከኣ ነደደ

6. ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ፧ በሉሲምሶንሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሀቦ፡ ንሱ እዩ በሉ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦምንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም

7. ሲምሶን ከኣ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኽፈድየኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎበሎም

8. ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ስለፍን ከኣ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖዎወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ

9. ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸኣ ፋሕ በሉ።

10. ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደየብኩምበልዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብናበሉ

11. ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱንሲምሶን ከኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፧ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎምበሎም

12. ንሳቶም ከኣ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድናበልዎሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደኣ ኸይትጐብጡኒ ምሐሉለይበሎም

13. ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ

14. ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎመንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ

15. ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ

16. ሲምሶን ከኣ ብንምጋጋ ኣድጊ ሓደ ዅምራ፡ ኤረ ኽልተ ዅምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩበለ

17. ኰነ ኸኣ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማት-ሌሒ ሰመያ

18. ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ጸምኤ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ፡ ሕጂ ኸኣ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ

19. ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰሐወየ ኸኣ። ስለዚ ስማ ዔን-ሀቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ አላ።

20. ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ