1. ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።

2. ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉእናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ አሎ፡ በላኣዲኡ ኸኣ፡ ወደየእግዚኣብሄር ይባርኽካበለቶ

3. ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። ኣዲኡ ድማ፡ እዚ ብሩርዚ ንወደይእትጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ አሎኹ፡ ሕጂ ኸኣ ክመልሰልካ እየ፡ በለቶ

4. ንሱ ኸኣ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸኣ ንእኡ እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።

5. እቲ ሰብኣይሚካቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ ኤፎድን ተራፊምን ድማ ገበረንሓደ ኻብ ደቁ ኸኣ ካህኑ ኪኸውን ቀደሶ

6. በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ገበረ

7. ኣብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ።

8. እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ፡ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸደመገዱ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ

9. ሚካ ኸኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሌዋዊ እየ፡ ኣነ ኣብ ዝረኸብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ አሎኹ፡ በሎ።

10. ሚካ ኸኣ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ

11. እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ።

12. ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካህኑ ዀነ። ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።

13. ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን አሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝገበረለይ ሕጂ ፈለጥኩበለ