1. ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።
2. ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ፡ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ አሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፡ በለቶ።
3. ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። ኣዲኡ ድማ፡ እዚ ብሩርዚ ንወደይ፡ እትጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ አሎኹ፡ ሕጂ ኸኣ ክመልሰልካ እየ፡ በለቶ።
4. ንሱ ኸኣ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸኣ ንእኡ እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።
5. እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ፡ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ ኤፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸኣ ካህኑ ኪኸውን ቀደሶ።
6. በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ገበረ።
7. ኣብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ።
8. እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ፡ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።
9. ሚካ ኸኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሌዋዊ እየ፡ ኣነ ኣብ ዝረኸብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ አሎኹ፡ በሎ።
10. ሚካ ኸኣ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ።
11. እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ።
12. ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካህኑ ዀነ። ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።
13. ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን አሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝገበረለይ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...