1. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸኣ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳይኻትኩም ዝአቶኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ።

2. ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉመሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም

3. ስለዚ ድማ፡ ንጐድንኹም ኵርኳሕ ይኹኑኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጥራ ይኹኑኹም እምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ

4. ኰነ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ

5. ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ

6. እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ- ርስቶም ከዱ

7. እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝርኣዩ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ።

8. እያሱ ወዲ ነዌባርያ እግዚኣብሄር፡ ከኣ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ

9. ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናት-ሔረስ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ

10. እቲ ወለዶ እቲ ዅሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ ድሕሪኦም ከኣ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝበበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ

11. ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩንበዓልውን ኣገልገሉ

12. ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጾም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ

13. ንእግዚኣብሄር ሐዲጎምስ ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ

14. ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይከኣሉን

15. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምንናብ ኵሉ ዝኸድዎኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም

16. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም

17. ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይሰምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶምሲ ኣይገበሩን

18. ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቘዘምዎምን እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎምብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ከይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።

19. እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምሶዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸዉ። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን

20. ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደበለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱደሃየይ ከኣ ስለ ዘይሰምዑ

21-22. ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ ዘይሕልዉ፡ ብኣታቶም ምእንቲ ኽፍትኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎም ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጕግን እየ።

23. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጐጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸኣ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን