1. ኰነ ኸኣ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ

2. እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸኣ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸይዳ ኸኣ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዚኸውን ጊዜ ተቐመጠት።

3. እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኺመልሳተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶኣቦ እታ መርዓት ምስ ረአዮ ኸኣ ተሐጒሱ ተቐበሎ

4. እቲ ሓሙኡኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠበልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸኣ ሐደሩ

5. ኰነ ኸኣ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡኪኸይድ ድማ ተላዕለኣቦ እታ መርዓትንሰብኣይ ጓሉቊራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱበሎ

6. ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩንኣቦ እታ መርዓት ከኣ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደርልብኻውን ይተሐጐስበሎ

7. እቲ ሰብኣይ ግና ኪኸይድ ተንስኤ፡ እቲ ሓሙኡ ደኣ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ

8. ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስኤኣቦ እታ መርዓት ከኣ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ጽናሕበሎክልቲኦም ድማ በልዑ

9. እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኡን ኪኸይድ ምስ ነቐለሓሙኡኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኺዓርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደርልብኻ ይተሐጐስጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መገድኹም ኪዱ፡ በሎ

10. እቲ ሰብኣይ ግና ኪሐድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ - ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ -። እተን ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ።

11. ኣብ ይቡስ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጐይታኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደርበሎ

12. ጐይታኡ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዜብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንኣቱን። ናብ ጊብዓ ደኣ ንሕለፍበሎ

13. ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኤን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደርበሎ

14. ሐሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያምጸሓይ ዐረበቶም

15. ኣብ ጊብዓ አትዮም ኪሐድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።

16. እንሆ ድማ፡ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከኣ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ፡ ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።

17. ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከኣ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካበሎ

18. ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤት-ልሄም ይሁዳንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሐልፍ ኢና፡ ኣነ ኻብኡ እየ፡ ናብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ደኣ ኸይደ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እኸይድ አሎኹ፡ ኣብ ቤቱ ዜሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ።

19. ነእዱግና ዚኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላዉኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን አሎናዚጐድለና ነገር የልቦን፡ በሎ።

20. እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበርዝጐደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ፡ በሎ

21. ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበንኣእጋሮም ተሐጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን

22. ንሳቶም ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ አትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስኣውጽኣዮኢሎም ተዛረብዎ

23. እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ።

24. እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ አብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም።

25. እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተዉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከኣ ፈለጥዋምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋቀይሔ-ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሐደግዋ

26. ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት መጺኣክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።

27. እቲ ጐይታኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ ቤት ከፈተመገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት።

28. ንሱ ድማ፡ ተንስኢ ንኺድበላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ

29. ኣብ ቤቱ ምስ አተወካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ

30. ኰነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኸሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዝመሰለ ዀይኑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። ሕሰብዎን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉንበለ