1. ሰብ ኤፍሬም ድማ ተአኪቦም ናብ ሰሜን ሐለፉንይፍታሕ ከኣ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሐልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንደይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፧ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና፡ በልዎ

2. ይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሐንኩምንን

3. ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፍኩእግዚኣብሄር ከኣ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሀበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ክትዋግኡኒ ደየብኩም፧ በሎም።

4. ይፍታሕ ድማ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግኤ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሀዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም፡ ይብልዎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዐርዎም

5. እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዙሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬምኣሕልፉኒምስበሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኤፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ

6. ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በልበልዎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለዘይከአለሲቦለትበለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐረድዎ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ

7. ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹድሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ኸተማታት ጊልዓድ ከኣ ተቐብረ

8. ድሕሪኡ ኸኣ ኢብጻን በዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ

9. ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዐወነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተወሎምንእስራኤል ኸኣ ሾብዓተ ዓመት ፈረደ

10. ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረ

11. ብድሕሪኡ ኸኣ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ

12. ኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረ

13. ድሕሪኡ ድማ ዓብዶንወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊንእስራኤል ፈረደ

14. ንሱ ኸኣ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደኢ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደ

15. ዓብዶንወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ጲርዓቶንምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን ከኣ ተቐብረ