1. ነቶም ኵሉ ውግእ ከነኣን ዘይፈለጡ ዘበሉ እስራኤልሲ እግዚኣብሄር ብኣታቶም ኪፍትኖም ኢሉ ዝሐደጎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፡

2-3. ሓሙሽቲኦም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ከነኣናውያንን ሲዶናውያንን፡ እቶም ኣብ ከረን ሊባኖስ፡ ካብ ከረን በዓል-ሔርሞን ክሳዕ መእተው ሓማት ዚነብሩ ሃዋውያንውን፡ እዚ፡ እቶም ወለዶ ደቂ እስራኤል፡ ምናዳ እቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዘበሉ፡ ውግእ ተማሂሮም ምእንቲ ኺፈልጡ ጥራይ እዩ።

4. እቲ ነቦታቶም ብሙሴ ዝአዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዚሰምዑ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ እዚኣቶም ንምፍታን እስራኤል ነበሩ።

5. ደቂ እስራኤል ኣብ ማእከል ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ

6. ኣዋልዶም ከኣ ኣንስቲ ኪዀናኦም ወሰዱ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳቶም ሀቡንኣማልኽቶምውን ኣገልገልዎም

7. ደቂ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ

8. ስለዚ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ ኣብ ኢድ ዅሻን-ሪሻታይም ንጉስ ኣራም-ነሃራዪም ሸጦምደቂ እስራኤል ድማ ንዅሻን-ሪሻታይም ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ

9. ግናኸ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዜድሕኖም መድሓኒ ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝንእሽቶ ሓዉ ንካሌብኣተንስኣሎም

10. መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኪዋጋእ ከኣ ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኪሻን-ሪሻታይም ንጉስ ኣራም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኢዱ ኸኣ ንኩሻን-ሪሻታይም ሐየለቶ

11. እታ ሃገርውን ኣርብዓ ዓመት ዐረፈትዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ከኣ ሞተ

12. ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ

13. ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም ከይዱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ሰዐሮምንኸተማ ተምሪውን ሐዝዋ

14. ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ

15. ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኤሁድ ወዲ ጌራብንያማዊዓኼላይ ሰብኣይመድሓኒ ኣተንስኣሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብኢዱ ገጽ በረኸት ሰደዱ

16. ሽዑ ኤሁድ ክልተ ዝኣፉ እመት ዝምንዋሓ ሴፍ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሕቜኡ ዐጠቓ

17. እቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ፡ ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ።

18. ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ገጽ በረኸት ኣቕሪቡ ምስ ፈጸመ፡ ነቶም ነቲ ገጽ በረከት ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም

19. ንሱ ግና ካብታ ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት ተመሊሱዎ ንጉስሕቡእ ነገር ዝነግረካ አሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስቕ በል፡ በሎ። እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከኣ ካብኡ ወጹ

20. ኤሁድ ድማ ናብኡ አተወ፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ንእኡ ንበይኑ ጥራይ ዝነበረት ላዕለይቲ ቤት ሓጋይ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኤሁድ ድማ፡ ንኣኻ ዝነግረካ ቓል ኣምላኽ አሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካብ መንበሩ ተንስኤ

21. ኤሁድ ድማ ጸጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሴፍ ካብ የማነይቲ ሕቜኡ መሲቱ ናብ ከብዱ ሸኸተሉ

22. ድሕሪ እታ ሴፍ ድማ ጋይማ አተወ፡ ነታ ሴፍ ካብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ ስብሒ ኸደናብድሕሪኡ ኸኣ ወጸት

23. ሽዑ ኤሁድ ናብቲ ደገ ቤት ወጸ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ዐጽዩ ሸጐሮ

24. ንሱ ምስ ወጸ፡ እቶም ገላዉ መጺኦም ረአዩ፡ እንሆ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ ርግጽ ኣብ ሕልፍኚ ቤት ሓጋይ ኰይኑ ጕዳዩ ይገብር አሎ፡ ከኣ በሉ

25. ክሳዕ ዚሽገሩ ተጸበዩ፡ እንሆ፡ ንሱ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ኣይከፈተን እሞ፡ መኽፈቻ ወሲዶም ከፈትዎ፡ እንሆ ድማ፡ ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ።

26. ኤሁድ ግና በቲ ምድንጓዮም ኣምለጠ፡ ናብ ክንየው ስፍራ ምስልታት ሐሊፉ ናብ ሰዒራ ኣምለጠ።

27. ኰነ ኸኣ፡ ምስ አተወ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም መለኸት ነፍሔደቂ እስራኤል ድማ፡ ንሱ ቐቅድሚኦም ኰይኑ፡ ምስኡ ኻብ ከረን ወረዱ

28. ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንሞኣባውያንጸላእትኹም፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስዐቡኒበሎምደድሕሪኡ ኸኣ ወረዱ፡ ነቲ ንሞኣብ ዜብል መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዝዎንሓደ ሰብ እኳ ኺሐልፍ ኣይሐደጉን።

29. በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሞኣብ ዓሰርተ ሽሕ ዚአኽሉ ሰብ ቀተሉ፡ ኵሎም ድልዱላት፡ ኩሎምውን ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን

30. ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደ። እታ ሃገር ከኣ ሰማንያ ዓመት ዐረፈት

31. ብድሕሪኡ ድማ ሻምጋር ወዲ ዓናት ነበረ፡ ንሱ ብስላዕ ብዕራይ ገይሩ ሹድሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ፡ ንሱውን ንእራኤል ኣድሐኖም