1. በታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ

2. መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓድ ስለ ዝወፈየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ

3. ኣቱም ነገስታትስምዑ፡ ኣቱም ሹማምቲጽን በሉ። ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡ ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ አሎኹ።

4. እግዚኣብሄር፡ ካብ ሰዒር ምስ ወጻእካ፡ ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ።

5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡ እዚ ሲና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።

6. ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡ ብዘበን ያዔል ጐደና መገዲ ሐደጉሓለፍቲ መገዲ ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ

7. ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ።

8. ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ዀነ፡ ኵናት ኰነዶ ተርኤ

9. ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ

10. ኣቱም ጸዓዲት ኣእዱግ እትውጥሑ፡ ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ ኣቱም ሐለፍቲ መገዲውን፡ ብዛዕባኡ ተዛረቡ

11. ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡ ኣብ መንጎ ጋብላታት፡ ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ። ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ

12. ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ መዝሙር ዘምሪባራቕውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓምምሩኻትካ ማርኽ

13. ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱእግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ።

14. ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሪም ወረዱ፡ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካሓላቑ ኸኣ ካብ ማኪር ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዚምርሑ ወረዱ

15. ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡ ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጐየዩ። ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ።

16. ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡ ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፧ ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ።

17. ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡ ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡ ኣብ ወደባቱ ኸኣ ሰፈረ።

18. ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡ ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኽቲ መሮር ከምኡ ገበረ።

19. ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡ ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡ ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ፡ ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን

20. ካብ ሰማይ ተዋግኡከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ።

21. ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም። ዎ ነፍሰይብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ

22. ሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱሸዃኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ።

23. መልኣኽ እግዚኣብሄርንሜሮዝ ርገምዋይብልንሓገዝ እግዚኣብሄር፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም

24. ያዔልሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።

25. ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ

26. ኢዳ ናብ ሸኻልየማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔትንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉመታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ

27. ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከኣ በለ፡ እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቘልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።

28. ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡ በቲ ዓይኒ-ርግቢ ኸይና ጨደረትሰረገላኡ እንታይ ኰይኑ ምምጻእ ደንጐየመንኰራዅር ሰረላኡኸ እንታይ ኰይኑ ደሐረ

29. እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡ ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡

30. ምርኮዶ ኣይረኸቡን፧ ኣይመቐሉንዶኸንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓልክልተ ጓል፡ ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ። ኣብ ክሳውዲ እቶም ምሩኻትከ በበይኑ ዝሕብሩ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን

31. ዎ እግዚብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት