1. ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ረአየ

2. ደዪቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ሕጂ ንእኣ ኣመርዕዉኒ፡ ኢሉ ነገሮም

3. ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ፡ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦንበልዎ። ሲምሶን ነቦኡብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይበሎ

4. ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ፡ እሞ፡ እዚ ዅሉ ካብኡ ኸም ዝዀነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ።

5. ሽዑ ሲምሶንን ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ

6. መንፈስ እግዚኣብሂር ከኣ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ዀነ ነዲኡ ኣይነገሮምን

7. ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ

8. ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸኣ ኪወስዳ ተመልሰ፡ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።

9. በእዳዉ ወሲዱ ከኣ እናበልዔ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሀቦምበልዑ ኸኣ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን

10. ኣቦኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ

11. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ረአይዎ፡ ምስኡ ዚዀኑ ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ

12. ሲምሶን ከኣ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ።

13. ክትነግሩኒ እንተ ዘይከአልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም፡ በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖበልዎ

14. ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ሕንቅሕቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኺነግርዎ ኣይከአሉን

15. ኰነ ኸኣ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰበይቲ ሲምሶንንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኪነግረናሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና። ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኰነን፧ በልዋ

16. ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ዀይና እናበኸየትጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንንንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከኣ ኣይገለጽካለይንበለቶ። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ፧ በላ

17. ንሳ ኸኣ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ዀይና በኸየት። ኰነ ኸኣ፡ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም

18. እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት፡ ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይልከ መን እዩ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ብኣርሔይ እንተ ዘይትሐርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶየይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም፡ በሎም

19. መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ መጾ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ፡ ካብኦም ከኣ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ድማ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦምኵራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸኣ ደየበ

20. እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋህበት።