1. እቶም ሰብ ቂርያት-የዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኩርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣእተውዎንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት እግዚኣብሄር ኪሕሉ ቀደስዎ

2. ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ።

3. ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንት ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ

4. ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ

5. ሳሙኤል ድማ፡ ንዅሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡንእግዚኣብሄር ከኣ ምእንታኹም ክልምኖ እየ፡ በሎም

6. ሽዑ ኣብ ሚጽጳ ተአከቡማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣውን ጾሙ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በዲልናዮበሉሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ፈረዶም

7. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኸም እተአከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎምደቂ እስራኤል እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ፈርህዎም

8. ደቂ እስራኤል ከኣ ንሳሙኤል፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምምህላል ኣይትሕደግበልዎ

9. ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ድማ ምላሽ ሀቦ።

10. ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርግ ከሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡእግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ

11. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጕዎም፡ ክሳዕ ትሕቲ ቤት-ካር ከኣ ቀተልዎም

12. ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ሚጽጳን ሼንን ኣንበሮእግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣናኢሉ ድማ ስሙ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ

13. ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ናብ ዶብ እስራኤል ኣይመጹን። ብዅሉ ዘበን ሳሙኤል ድማ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ነበረት።

14. እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳንዶበን ከኣ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሐነ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።

15. ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘበን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ

16. ዓመት ንዓመት ከይዱ ኸኣ ናብ ቤት-ኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ይዘውር ነበረ፡ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከኣ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ።

17. ቤቱ ኣብ ራማ ነበረት እሞ፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ