1. ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔን-ገዲ ተቐመጠ

2. ኮነ ኸኣ፡ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

3. ሽዑ ሳኦል፡ ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሓረዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለ-በዱ ኺደልይዎ ከደ።

4. ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ፡ ሳኦል ድማ እግሩ ኪኸድን አተወዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ

5. ሽዑ እቶም ሰብ ዳዊት፡ እታ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ዝበለካ መዓልቲ እንሃ፡ ሎሚ እያ፡ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ

6. ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸንዳዊት ልቡ ወቕዖ

7. ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡቕ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄርኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆበሎም

8. ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዐገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምንሳኦል ከኣ ካብቲ በዓት ተንሲኡ መገዱ ኸደ

9. ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዔሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።

10. ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንኽፉእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ

11. እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሀበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእይን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሐፍኩኻ

12. ኣቦየርኤ፡ እወ፡ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎን፡ ርኤ፡ ጫፍ ክዳንካ ክቘርጽ ከሎኹ፡ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኰነ፡ በደል ኰነ ከም ዜልቦ ፍለጥን ርኤን። ንስኻ ኸኣ ንነፍሰይ ክትወስድ እትደሊ ኽነስኻስ፡ ኣባኻ ኣይሐጣእኩን

13. እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድእግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።

14. ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞትክፉእ ካብቶም ክፉኣት ይወጽእዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።

15. ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፡ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፡ ንምዉት ከልቢንሓደ ቘንጪ

16. ስለዚ እግዚኣብሄር ዳኛ ዀይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ ንሱ ኸኣ ርእዩ ንነገረይ ይከላኸለለይ፡ ፈሪዱ ድማ ካብ ኢድካ የድሕነኒ

17. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት እዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድኤሳኦል፡ እዚ ቓል እዚ ቓልካ ድዩ ወደይ ዳዊትኢሉ ድማ፡ ሳኦል ዓው ኢሉ በኸየ

18. ንዳዊት ከኣ በሎ፡ ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ ካባይሲ ንስካ ትጸድቕ

19. እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉኒ ኽነሱስ፡ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ጽቡቕ ከም ዝገበርካለይሎሚ ኣርኤኻ

20. ሰብ ንጸላኢሉ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ መገዱ ይሰዶ፧ ስለዚ ድማ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ

21. ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ ንስኻ ብርግጽ ከም እትነግስ፡ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ኢድካ ኸም እትቐውምእፈልጥ አሎኹ።

22. ሕጂ ኸኣ፡ ብድሕረይ ንዘርኤይ ከይተጽንቶንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍኦብእግዚኣብሄር ምሐለለይ

23. ዳዊት ድማ ንሳኦል መሐለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደዳዊትን ሰቡን ግና ናብ እምባ ደየቡ