1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተአከቡ፡ ኣብ ኤፈስ-ዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ

2. ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ

3. ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙእስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ።

4. ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጋትሹድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ

5. ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ።

6. ኣብ ሰለፋቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኵቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ።

7. ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

8. ተንሲኡ ከኣ ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም፧ ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላዉ ሳኦል፧ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ

9. ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸኣለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም።

10. እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም አሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒበለ

11. ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን

12. ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብአይ ብዓል ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ።

13. እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ።

14. ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ።

15. ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ።

16. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ።

17. እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንግራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ

18. እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽአለይ፡ በሎ።

19. ሳኦልን ንሳቶምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።

20. ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝአዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ

21. እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ

22. ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየመጺኡ ኸኣ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም።

23. ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ በዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤማውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበዳዊትውን ሰምዖ

24. ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ኻብ ቕድሚኡ ሀደሙኣዝዮምውን ፈርሁ

25. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሲኡ ዘሎ ሰብአይ እዚ ትርእይዎዶ፧ አሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐትል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎጓሉ ኸኣ ኪህቦንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ

26. ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባትእዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧ ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮኢሉ ተዛረቦም

27. እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ

28. ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎኵራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ፧ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ መረኻ ንመን ገደፍካየንውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ አሎኹ፡ በሎ

29. ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ፧ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ፧ በለ

30. ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለሱሉ

31. እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ

32. ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበርጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ

33. ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ

34. ዳዊት ከኣ ንሳኦልጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡

35. ኣነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድፎ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ።

36. ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ከኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

37. ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለሳኦል ከኣ ንዳዊትኪድእግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ

38. ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉድርዒውን ከደኖ

39. ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀምኻድ ኣይፈተነን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ።

40. በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ

41. እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

42. እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኵሩ ምስ ረአዮ። ንሱ ቐይሕ መልክዓኛ ዀተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ

43. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊትብበትሪ እትመጸንስ ኣነ ኸልቢዶ እየ፧ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ

44. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊትንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ

45. ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ።

46. ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።

47. እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።

48. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ። ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ

49. ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኡ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግምባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ አተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ

50. በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን።

51. ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፉ ወሲዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩሀደሙ

52. ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትአትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ

53. ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ

54. ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ

55. ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረአዮንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት፡ ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስህያው ነፍስኻ ኢለ ዘይፈልጦበለ

56. እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተትበለ

57. ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት።

58. ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲወዲ መን ኢኻ፧ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ፡ በለ