1. ኰነ ድማ፡ ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ ምስ መጹኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖምወን ነበሩ፡ ንጺቅላግ ከኣ ስዒሮም ብሓዊ ኣንዲዶምዋ ነበሩ።

2. ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዅሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፡ ግናኸ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን

3. ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ብሓዊ ነዲዳኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ።

4. ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ

5. ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊትኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስን ከኣ ተማሪኸን ነበራ።

6. ነፍሲ ዅሉ እቲ ህዝቢነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ እተመረረንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዩ ጨነቖዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ

7. ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታርወዲ ኣሂሜሌክ፡ በጃኻ ኤፎድ ኣምጽአለይበሎኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ

8. ዳዊት ድማ፡ ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ፧ ከርክቦምዶኸ፡ እኽእል እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዐቦም፡ በሎ

9. ሽዑ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፡ ኣብ ርባ በሶር ምስ በጽሑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብኡ ጸንሑ።

10. ክልተ ሚእቲ ሰባት ንርባ በሶር ምስጋር ክሳዕ ዚስእኑ ደኺሞም ድሕሪት ተረፉዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰዐቡ

11-12. ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎም። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎቍራስ ጐግ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ

13. ዳዊት ድማ፡ ንስኻ ናይ መን ኢኻ፧ ካበይከ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ግብጻዊ ወዲጊልያ ኣማሌቃዊ ሰብአይ እየ። ሓሚመ ሰለስተ መዓልቲ ገይረ እየ እሞ፡ ጐይታይ ሓዲጉኒ

14. ንሕና ኣብ ደቡብ ከሬጣውያንን ኣብቲ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ ካሌብውን ሓደጋ ወደቕናንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ተኰስናያ፡ በለ።

15. ዳዊት ድማ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራዶ ተውርደኒበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራ ከውርደካስከይትቐትለኒ፡ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒብኣምላኽ ምሐለለይበለ

16. ንሱ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እንሆ፡ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።

17. ዳዊት ድማ ጽልግልግ ኪብል ከሎ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምሸት ይቐትሎም ነበረ። ብጀካ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተወጢሖም ዝሀደሙ ኣጕባዝ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ አየምለጠን

18. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ዅሉ ኣምለሶ፡ ዳዊት ንኽልቲኤን አንስቱውን ኣምለሰን

19. ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ካብ ኣወዳት ኰነ፡ ካብ ኣዋልድ፡ ካብ እተዘምተ ዘበለ ኽሳዕ ኵሉ ወሲዶምዎ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይጐደሎምንዳዊት ንዅሉ ኣምለሶ

20. ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፡ ንኣታተን ከኣ ቀቅድሚ እተን ካልእ ከብቲ ኸብኪቦም፡ እዚአተን ምርኮ ዳዊት እየን፡ በሉ

21. ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰአኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰብኣይ መጸ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊቲ ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡደሓን ምህላዎም ሐተቶም።

22. ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ሰባትእቶም ክፉኣት ዘበሉ ናይ ብልያል ሰባት፡ ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብዚ ዘምለስናዮ ምርኮስ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቱን ደቁን ጥራይ ይሐዝ እሞ መገዶም ይኺዱኢሎም መለሱ

23. ዳዊት ግና፡ ኣሕዋተየእግዚኣብሄር ሐልዩናን ነቲ መጺኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝሀበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ

24. በዚ ነገር እዚ ደኣ መን ኪሰምዓኩም፧ ከም ግደ እቶም ናብ ውግእ ዝወረዱ፡ ግደ እቶም ኣብ ኣቓሑ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ከምኡ እዩ እሞ፡ ማዕረ ገይሮም ይማቐሉ፡ በለ።

25. ኰነ ድማ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዚ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ

26. ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ ኸኣ፡ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ፡ ካብ ምርኮ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር እንሆልኩም ገጽ በረኸትኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም

27. ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ያቲር ዝነበሩን፡

28. ነቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዝነበሩን፡

29. ነቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዝነበሩን፡

30. ነቶም ኣብ ሖርማ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኮርዓሻን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን፡

31. ነቶም ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን እተማላለሱለን ኵለን ቦታታት ዝነበሩን ሰደደሎም።