1. ሓደ መዓልቲ ኸኣ ዀነ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገርበሎነቦኡ ግና ኣይነገሮን

2. ሳኦል ከኣ ኣብ ወሰን ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።

3. ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብሓው ኢካቦድ፡ ወዲ ፊንሃስ ወዲ ኤሊ፡ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ፡ ኤፎድ ጾይሩ ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።

4. በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኪሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ ድማ ነቲ መሳገሪ ብሓደ ሸነኹ ጨላቝ ከውሒ፡ ነቲ መሳገሪ ብኻልኣይ ሸነኹ ኸኣ ጨላቝ ከውሒ ነበረ፡ ስም እቲ ሓደ ቦጼጽ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ።

5. እቲ ሓደ ጨላቝ ብወገን ሰሜን ኣብ መንጽር ሚኽማሽ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብወገን ደቡብ ኣብ መንጽር ጌባዕ ቈይሞም ነበሩ።

6. ዮናታን ድማ ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን፡ ንዓናይ፡ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም ንሳገር፡ በሎ

7. እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ድማ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር፡ ንስኻ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ እኔኹ፡ ከም ድላይ ልብኻ ምሳኻ እየ፡ በሎ

8. ሽዑ ዮናታን፡ እንሆ፡ ንሕና ናብቶም ሰባት ንሳገርንርአዮም ከኣ።

9. ንሳቶም፡ ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ እንተ በሉና፡ ንሕና ኣብ ዘሎናዮ ንጽናሕ፡ ናባታቶም ኣይንደይብ

10. ናባና ደይቡ፡ እንተ በሉና ግና፡ እዚ ንኣና ምልክት እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ ንደይቦም፡ በለ።

11. ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎምፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሐቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወጹ አለዉ፡ በሉ

12. እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ጋሻ ዛግሬኡንሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡኢሎም መለሱሎምዮናታን ከኣ ነቲ ጋሻ ዛግሬኡእግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፡ ደድሕረይ ደይብበሎ

13. ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ኣብ ቅድሚ ዮናታን ከኣ ወደቑ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ።

14. በቲ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኰይኖም ኣተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ መዓል ጽምዲ ኣብ እትአክል ቃድራ ኣስታት ዕስራ ሰብኣይ ቀተሉ።

15. ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ መሮርን ኣብ ብዘሎ ህዝብን ምሽባር ኰነ፡ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ንሳቶም ከኣ ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣንቀጥቀጠት

16. እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዔኛታት ሳኦል ከኣ ጠመቱ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ናብዝን ናብትን ከደ

17. ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርአዩበሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኣይነበሩን።

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ታቦት ኣምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ነበረ እሞ፡ ሳኦል ድማ ንኣሒያ፡ ታቦት ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእበሎ

19. ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ምስቲ ኻህን ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ታዕታዕ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ ኢድካ ምለስበሎ

20. ሳኦልን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ከኣ ተአኪቦም ክሳዕ ናብቲ ውግእ አተዉ። እንሆ ድማ፡ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩ ዀነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕግርግር ከኣ ዀነ።

21. እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ካብቲ ኸባቢ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ እብራውያን፡ ንሳቶምውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪዀኑ ተመልሱ።

22. እቶም ኣብ ከረን ኤፍሬም ተሐቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ናብቲ ውግእ ሰዐቡ

23. እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሐኖ። እቲ ውግእ ከኣ ንቤት-ኣዌን ሐሊፉ ነበረ።

24. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል፡ ላህሊሆም ነበሩ፡ ሳኦል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ረገሞም። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዐመን

25. ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸመዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ።

26. እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ ህዝቢ ግና፡ ነቲ መርገም ስለ ዝፈርሄኢዱ ናብ ኣፉ ዘቕረበ የልቦን።

27. ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኼምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዔን ነበረ እሞ፡ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ ሰዲዱ ኣብቲ ጐጎ መዓር ጠምዔኢዱ ኸኣ ናብ ኣፉ መለሰኣዒንቱ ድማ በርሃ

28. ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣቦኻሎሚ እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ንህዝቢ ኣጽኒዑ ኣምሒሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ደኺሙ ነበረ።

29. ሽዑ ዮናታንኣቦይ ነዛ ሃገር ጐድኣ። ካብዚ መዓር እዚ ሒደት ስለ ዝጠዐምኩኣዒንተይ ከም ዝበርሃ፡ በጃኹም ርኣዩ

30. እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብዚ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ፡ ሕጂ እቲ ስዕረት ኣብ ፍልስጥኤማውያንዶ ኣይምዐበየን፡ በለ።

31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዐርዎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ እምብዛ ደኸመ

32. እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሐረዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ

33. ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሎ አሎ፡ ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ከዲዕኩም በደልኩም፡ ሕጂ ዓብዪ እምኒ ኣንካራሪኹም ኣምጽኡለይ፡ በለ

34. ሳኦል ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ፡ ኣብዚ ኸኣ ሐሪድኩም ብልዑ፡ ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ በልዎምበለ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ብኢዱ ኣምጽኤ፡ ኣብኡ ኸኣ ሐረድዎም

35. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ ንሱ እዩ።

36. ሳኦል ከኣ፡ ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድክሳዕ ዚወግሕ ንዝመቶም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም፡ በሉ። ንሳቶም ድማ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበርበሉ። እቲ ኻህን ግና፡ ናብዚ ናብ ኣምላኽ ንቕረብበለ

37. ሽዑ ሳኦልደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ፡ ኣብ ኢድ እስራኤልዶኸ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ሐተቶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣይመለሰሉን

38. ሳኦል ከኣ፡ ኣቱም ሓላቑ ህዝቢ ኵልኹም ናብዚ ቕረቡ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ብምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ፍለጡን ርአዩን

39. እቲ በደል ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ዀነ እተገብረ፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በለ። ግናኸ ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን

40. ሽዑ ንሱ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፡ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንከውን ኢና፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ግበርበልዎ

41. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ሓቂ ግለጾ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታንን ሳኦልን ብዕጭ ተወስዱ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጹ

42. ሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑበለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ

43. ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒበሎ። ሽዑ ዮናታን፡ ምጥዓምሲ ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥዒመ ነይረ፡ እኔኹ እሙትኢሉ ነገሮ

44. ሳኦል ድማ፡ ዎ ዮናታንኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ በለ።

45. እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦልዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ እሞ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኺመውት እዩ፡ ያእ የርሕቆህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕንበልዎ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሐንዎ

46. ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመልሰፍልስጥኤማውያን ናብ ቦታኦም ከዱ።

47. ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሐዘ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ዓሞንን ምስ ኤዶምን ምስ ነገስታት ጾባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግኤ፡ ገጹ ኣብ ዝመለሰሉ ዘበለ ኸኣ ሰዐረ።

48. በርቲዑ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዐሮምንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ዘመትቱ ኣድሐኖ

49. ደቂ ሳኦል ድማ ዮናታንን ይስዊን ማልኪሹዓን ነበሩ። ስም እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸኣ፡ ስም እታ በዅሪ ሜራብ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ሚካል እዩ።

50. ስም ሰበይቲ ሳኦል ከኣ ኣሒኖኣም እዩ፡ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር እዩ፡ ንሱ ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ።

51. ቂስ ኣቦ ሳኦልንኔር ኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።

52. ብዅሉ ዘበን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፡ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።