1. ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዚሐይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሐድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕንበለ

2. ዳዊት ድማ ተንሲኡ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብን፡ ናብ ኣኪሽወዲ ማዖክ ንጉስ ጋትተሳገረ

3. ዳዊትን ሰቡን ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡዳዊትውን ምስ ክልቲኤን ኣንስቱኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይልን፡ ብዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባልን፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጡ

4. ሳኦል ድማ፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሀደመ ምስ ነገርዎመሊሱ ኣይደለዮን

5. ዳዊት ከኣ ንአኪሽ፡ ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፧ ኣብ ቅድሜኻ መጎስ እንተደኣ ረኺበስ፡ ኣነ ኣብኣ ክቕመጥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሀበኒበሎ

6. ኣኪሽ ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ጺቅላግ ሀቦ። ስለዚ ጺቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንነገስታት ይሁዳ ዀነት።

7. ቍጽሪ እተን ዳዊት ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት ከኣ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኰነ።

8. ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንአማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሹር እተእቱ ኽሳዕ ምድሪ ግብጺ ዘላ ሃገር ተቐሚጦም ነበሩ።

9. ዳዊት ከኣ ነታ ሃገር አጥፍኣሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዀነት ድማ ብህይወት ኣይሐደገን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ግና ወሰደመሊሱ ድማ ናብ ኣኪሽ መጸ

10. ኣኪሽ ከኣ፡ ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩምበለዳዊት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ይሁዳን ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያንን ኣብ ደቡብ ቄናውያንን፡ በለ።

11. ዳዊት ከምዚ ገበረ፡ በቲ ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ልማዱ ኸምዚ ነበረ፡ ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፡ ዳዊት ናብ ጋት ኣየምጽኦምንንሰብኣይ ኰነ ንሰበይቲ ዀነትውን ብህይወት ኣይሐደጎምን።

12. ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ ኣብ ህዝቡ እስራኤል ኣዝዩ ተጸሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪዀነኒ እዩ፡ ኢሉ አመኖ