1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኣኤል ተዋግእዎምሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወደቑ

2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሳኦልን ንደቁን ስዒቦም እግርእግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደቂ ሳኦልንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም

3. እቲ ውግእ ከኣ ንሳኦል በርትዖ፡ ፍላጻ ዚውርውሩ ሰባት ድማ ኣርከብዎም እሞ፡ በቶም ወርወርቲ እምብዛ ተጨነቐ

4. ሳኦል ድማ ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት መጺኦም ወጊኦም ከየላገጹለይሲሴፍካ መስት እሞ ብእኡ ቕተለኒበሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣበየ። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ

5. እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረአየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ

6. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ጋሻ ዛግሬኡን ኵሎም ሰቡን ብሓደ ሞቱ

7. እቶም ኣብ ስግር እቲ ለሰን ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሀደሙሳኦልን ደቁን ከኣ ከም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፡ ነተን ከተማታት ሐዲጎም ሀደሙፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን

8. ኰነ ኸኣ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም

9. ርእሱ ቘሪጾም ከኣ ኣጽዋሩ ገፈፉ። ኣብ ቤት ጣኦታቶምን ኣብቲ ህዝብን ኬበስሩ ድማ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ

10. ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ፡ ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ሰቐልዎ

11. እቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ፡ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ድማ፡

12. ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሐዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ

13. ነቲ ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ቀበርዎሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ

Chap 30