1. ዳዊት ድማ ናብቲ ኻህን ኣሂሜሌክ ናብ ኖብ መጸኣሂሜሌክ ከኣ ራዕራዕ እናበለ ንዳዊት ኪቃባበሎ መጸ፡ ከምዚ ኢሉውን ጠየቖ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብ ዜብልካ በይንኻ፧ በሎ

2. ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሂሜሌክንጉስ፡ እቲ ኣነ ዝለአኽኩኻ ነገርን እቲ ዝአዝዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦኢሉ ኣዚዙኒ እዩ እሞ ነቶም ኣጕባዝ ናብ ከምዝን ከምዝን ዝበለ ቦታ ኣመልከትክዎም

3. ሕጂ ኸኣ ኣብ ኢድካ እንታይ አሎሓሙሽተ እንጌራ ወይ እተረኽበ ኣብ ኢደይ ሀበኒ፡ በሎ።

4. እቲ ኻህን ድማ ንዳዊትማንም ዚበልዖ እንጌራ ኣብ ኢደይ የልቦን፡ እቶም ኣጕባዝ ካብ ኣንስቲ እንተ ተሐልዮም ግና፡ ቅዱስ እንጌራ አሎኢሉ መለሰሉ

5. ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህንብሓቂ ኣንስትስ ካብ ትማልን ቅድሚ ትማልን ካባና ፍሉያት እየን፡ ኣቓሑ እቶም ኣጕባዝ ድማ በታ ዝወጻእኩላ ጊዜ ቅዱስ ነበረ፡ እታ መገዲ እኳ ዘይቅድስቲ እንተ ዀነት፡ ሎምስ በቲ ኣቓሑ ትቕደስ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ

6. እቲ ኻህን ከኣ፡ ብዘይ እቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተላዕለ እንጌራ ምርአይ፡ በታ እተላዕለላ መዓልቲ ውዑይ እንጌራ ምእንቲ ኼንብሩ፡ ኣብኡ ኻልእ እንጌራ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ቅዱስ እንጌራ ሀቦ

7. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብ ገላዉ ሳኦል ዶኤግ ዝስሙ ኤዶማዊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሕሎ ኣብኡ ነበረ፡ ንሱ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ።

8. ዳዊት ድማ ንኣሂሜሌክ፡ እቲ ናይ ንጉስ ነገር ስለ ዝሀወኸሴፈይን ኣጽዋረይን ኣይተማላእኩን እሞ፡ ገለ ዅናት ወይ ሴፍ ኣብዚ ኣብ ኢድካዶ የልቦንበሎ

9. እቲ ኻህን ድማ፡ ሴፍ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ድዋ ዝቐተልካዮ ጐልያድ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ፡ እንሆ፡ ንሱ ብዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፎድ፡ ኣብኡ አሎ፡ ኣብዚ ብጀካኡ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሌኻስ፡ ውሰዶበለዳዊት ከኣ፡ ከምኡ ዝበለ የልቦን፡ ሀበኒ፡ በለ።

10. ዳዊት ድማ ተንሲኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሀዲሙ፡ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት መጸ

11. ንኣኪሽ ከኣ እቶም ገላዉኡ፡ እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ሃገር ደይኰነን፧ እቲ፡ ሳኦል ሽሑዳዊት ከኣ እልፉ ቐተለኢለን እናሳዕሰዓ ዝደረፋሉ፡ እዚ ደይኰነን፧ በልዎ

12. ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮንኣኪሽ ንጉስ ጋት ከኣ ኣዝዩ ፈርሆ

13. ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ህልዋቱ ለወጠ፡ ኣብ ኢዶም ድማ ከም ዕቡድ ኰነ፡ ንመዓጹ እቲ ደገውን ሐንፈጦልዛዩ ኸኣ ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ።

14. ሽዑ ኣኪሽ ንገላዉኡ፡ እንሆ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ አሎኹም፡ ስለምንታይ ናባይ ኣምጻእኩምዎ

15. ኣብ ቅድመይ ኪዐብድ ዘምጻእኩምለይሲዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይአቱ፧ በሎም።