1. ሳሙኤል እቲ ቘሎዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረ።

2. ኰነ ኸኣ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ሐሚቐን ነበራ፡

3. መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍኤ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡

4. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸዎዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።

5. ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹበለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩንተመሊስካ ደኣ ደቅስበለከይዱ ኸኣ ደቀሰ

6. እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ።

7. ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገልጸሉን ነበረ።

8. እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝጸውዖ አስተውዐለ

9. ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎኪድ ደኣ ደቅስ፡ ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄርተዛረብበልሳሙኤል ከኣ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ

10. እግዚኣብሄር ድማ መጸደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታትሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በለ።

11. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ዜብል ነገር ክገብር እየ።

12. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽገብሮ እየ።

13. እቶም ደቁ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡

14. ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘለኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ።

15. ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሄ

16. ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።

17. ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ፧ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዅሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሓባእካለይኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካበለ

18. ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሐብኤ፡ ኵሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበርበለ

19. ሳሙኤል ከኣ ዐበየእግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዅሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን

20. ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ

21. እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ