1. ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ

2. ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብአለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎ

3. ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ

4. ሽዑ ዮናታን ንዳዊትነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ

5. ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ።

6. ኣቦኻ እንተ ሰአነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ አለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒበሎ

7. ደሓን እንተ በለካንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ

8. እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ።

9. ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ

10. ሽዑ ዳዊት ንዮናታንኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒበሎ

11. ዮናታን ድማ ንዳዊትንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእበሎክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹ

12. ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡

13. እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን።

14. ገና ብህይወት እንተ አልየስ ምእንቲ ኸይመውትምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ

15. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለአለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ

16. ሽዑ ዮናታንእግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን አተወ

17. ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ

18. ሽዑ ድማ ዮናታን በሎጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ።

19. ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ

20. ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውርሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ።

21. እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ።

22. ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ

23. ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ።

24. ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መአዲ ተቐመጠ

25. ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠዮናታን ከኣ ተንስኤኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት።

26. ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን

27. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መአዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎ

28. ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ

29. ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ አሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ አሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስምሉቚ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ

30. ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧

31. ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽአለይ፡ በሎ።

32. ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

33. ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታንኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበፈለጠ

34. ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መአዲ ተንስኤኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን

35. ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ።

36. ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮበሎ። እቲ ወዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ።

37. እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሔዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎ

38. ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጸ

39. ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን

40. ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎበሎ

41. እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ።

42. ዮናታን ድማ ንዳዊትብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ

43. ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ አተወ።