1. እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መአዝከ ኢኻ ንሳኦል እተጉህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድበሎ

2. ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዔኪቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድበለእግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውኣ ኢለ መጻእኩበል

3. ንእሴይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸኣ ቅብኣለይ፡ በለ።

4. ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤት-ልሄም ከኣ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎብሰላምዶ መጺእካ፧ ከኣ በሉ

5. ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደኣ መጺኤተቐደሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹበለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋኣቲ ድማ ጸውዖም

6. ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ አሎ፡ በለ

7. እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

8. ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮንበለ

9. እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮንበለ

10. እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎምሳሙኤል ከኣ ንእሴይእግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሐረዮምንበለ

11. ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኲሎም እቶም ደቂበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ አሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ አሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መአዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።

12. ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕጽቡቕ ኣዒንቲትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮበለ

13. ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ

14. መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሐቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።

15. እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ደኣ ይሳቕየካ አሎ

16. እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ገላዉኻ ምውቃዕ በገና ዚፈልጥ ሰብ ኪደልዩ ይአዝዝ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኢዱ ኺወቅዕ እዩ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ፡ በልዎ።

17. ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይበሎም

18. ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄምፈላጥ ወቓዒ ርእየ አሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግናተዋጋኢ ሰብኣይመስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይእግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ

19. ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ

20. እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ

21. ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ።

22. ሳኦል ድማ ንእሴይዳዊት ኣብ ዓይነይ ሞገስ ረኺቡ አሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለአኸሉ

23. ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፉእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ዳዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፉእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ።