1. እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መአዝከ ኢኻ ንሳኦል እተጉህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ።
2. ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዔ፡ ኪቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውኣ ኢለ መጻእኩ፡ በል።
3. ንእሴይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸኣ ቅብኣለይ፡ በለ።
4. ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤት-ልሄም ከኣ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎ፡ ብሰላምዶ መጺእካ፧ ከኣ በሉ።
5. ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደኣ መጺኤ፡ ተቐደሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹ፡ በለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋኣቲ ድማ ጸውዖም።
6. ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ አሎ፡ በለ።
7. እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።
8. ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
9. እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
10. እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሐረዮምን፡ በለ፡
11. ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኲሎም እቶም ደቂ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ አሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ አሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መአዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
12. ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ።
13. ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።
14. መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሐቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።
15. እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ደኣ ይሳቕየካ አሎ።
16. እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ገላዉኻ ምውቃዕ በገና ዚፈልጥ ሰብ ኪደልዩ ይአዝዝ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኢዱ ኺወቅዕ እዩ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ፡ በልዎ።
17. ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
18. ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም፡ ፈላጥ ወቓዒ ርእየ አሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
19. ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
20. እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ።
21. ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎ፡ ጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ።
22. ሳኦል ድማ ንእሴይ፡ ዳዊት ኣብ ዓይነይ ሞገስ ረኺቡ አሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለአኸሉ።
23. ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፉእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ዳዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፉእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...