1. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፡ ክቐብኣካ እግዚኣብሄር ንኣይ ለአኸኒ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ደሃይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ

2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ንእስራኤል፡ ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ጸኒሑ ዝገበሮ ዘኪረዮ አሎኹ።

3. ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል

4. ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ኣኽቲቱ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮምክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋርሰብ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ኰኑ።

5. ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቅ መጸ፡ ኣብ ለሰ ኸኣ ድብቕ ገበረ።

6. ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡ ንስኻ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ፡ ምሕረት ጌርካሎም ኢኻ እሞ፡ ምሳታቶም ከየጥፍኣኩምሲ ኺዱ፡ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውረዱበሎምቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ኣግለሱ

7. ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር ሰዐሮም

8. ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሓዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ

9. ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገነሽልን ጽቡቕ ዘበለ ዅሉን ኬጥፍእዎ ኣይፈተዉን እሞ፡ ነሐፍዎ፡ እቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈጺሞም ኣጥፍእዎ

10-11. ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓበይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ አሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።

12. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ንግሆ ኺራኸቦ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ተንስኤ። ሽዑ ኸኣ ንሳሙኤልሳኦል ናብ ቀርሜሎስ መጺኡ አሎ፡ እንሆ ድማ፡ ንእኡ ዚኸውን ሓወልቲ ኣቚሙ፡ ዞይሩ ድማ ተሳጊሩ፡ ናብ ጊልጋል ከኣ ወሪዱ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

13. ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መጸሳኦል ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን፡ ኣነ ቃል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ፡ በሎ

14. ሳሙኤል ግና፡ እዚ ኣባጊዕ ቤዕ ኪብላን ኣሓ እምባሕ ኪብላን ናቋኤን ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘሎኹ ደኣ እንታይ እዩ፧ በለ

15. ሳኦል ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን፡ ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን፡ ነተን ዝተረፋ ግና ፈጺምና ኣጥፊእናየን ኢና፡ በለ

16. ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦልእግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካስ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብበሎ

17. ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ

18. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣንንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮምኢሉ ንመገዲ ሰደደካ

19. ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ፧ በለ።

20. ሳኦል ድማ ንሳሙኤልደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሄር ዝለአኸኒ መገዲ ኸይደንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ አሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም

21. ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ።

22. ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ

23. ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።

24. ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተአዘዝኩ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሐሊፈ እየ እሞ፡ ሐጣእኩ

25. ሕጂ ድማ በጃኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ።

26. ሳሙኤል ንሳኦልቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ

27. ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ንሱ ኸኣ ጫፍ ክዳኑ ኣጽኑዑ ሐዘ እሞ፡ ተቐደ

28. ሳሙኤል ድማ፡ እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፡ ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ

29. እቲ ጽንዓት እስራኤልሲ ከይጥዐስ ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን ኣይጥዐስን ከኣ፡ በሎ።

30. ንሱ ድማ፡ ሓጣእኩ፡ ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽሰግድሲ ምሳይ ተመለስበሎ

31. ሽዑ ሳሙኤል ደድሕሪ ሳኦል ተመለሰሳኦል ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰገደሉ

32. ሳሙኤል ድማ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ፡ በለኣጋግ ከኣ ተሐጒሱ ናብኡ መጸ። ኣጋግ ድማ፡ ምሪ ሞትሲ ርግጽ ሐሊፉ እዩ፡ በለ።

33. ሳሙኤል ከኣ፡ ሴፍካ ነንስቲ ውሉድ ዜብለን ከም ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውሉድ ዜብላ ትኹን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ

34. ሳሙኤል ከኣ ናብ ራማ ኸደሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ናይ ሳኦል ደየበ

35. ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይጕሂ ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደንእግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ