ኣነ

Posted on 2012-12-12 · 1058 · 0 · 4

35 resources uploaded

ምሩጽ እየ ብዘይ ምኽንያት
ፍትው ብዘይ ብቀት
ሕጹብ ብደሙ
ፍዉስ ብቑስሉ
ምሑር ብዘይ እንታ
የዒንቱ እተኸፍታ
ልዉጥ እየ ሓድሽ ፍጥረት
ብጁው ካብ ጸልማት
ውጹእ ሓራ ካብ መርገም
ካብ ማእሰርቲ ዓለም
ካብ ባርነት ካብ ግዝእት
ካብ ኣንነት
ካብ ፍትወት ሓልዮት ርእሲ
ንጹህ ሕጹብ ብዘይ ክሲ
ብዘይ ብቕዓተይ ብቑዕ
ብዘይ ጻዕረይ ዕዱል ምሉእ
ዝጎድሎ ዘይብሉ ዕጉብ
ዕዉት ዝያዳ ሰዓርቲ
ዘቋምት ዝጥምት
ዝሰግር ክንዮ'ዚ ሓላፊ
ክንዮ'ዚ መዋቲ
ውሉድ ኣምላኽ ሰማያዊ
ህያው እየ ዘልኣለማዊ!!

"ኣነ ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኒ ምእንቲ ኽነግር፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ሰብ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ፍጥረት እየ።" 1ጴጥ.2፡ 9

4 comments

ጎይታ ይባርኽካ ኤርሚ

ጎይታ ይባርኽካ ኤርሚ…

ኣሜን ማቲ። ተባረክ!

ዋው አምላኽ ይባርኽካ ኤርሚያስ ሓወይ እወ ብሓቂ እቲ ሓድሽ ብክርስቶስ ማንነትና ገሊጽካዮ.