ዘፍጥረት

Posted on 2013-01-03 · 1160 · 0 · 0

30 resources uploaded

ዘፍጥረት
ዘፍጥረት መጀምርታ ግዜ እታ መፈለምታ
ኣምላኽ ፍጥረታት ኩሉ ዘገበረላ
ሰብ ተፈጥረ ድሕሪ ኩሉ
ሒዙ ናይ ኣምላኽ መልክዕ ምስሉ
ተነጊርዎ ንድምሪ ክገዝእ ከመልኽ
ተዋሂብዎ በረኸት ሃብቲ ኣምላኽ
ተቐሚጡ ኣብ ገነት ኣብ ቦታ ዕረፍቲ
ክሕሉ ክሰርሕ ከፍርያ ነታ ምድሪ
ኣምላኽ ዝበለ ተኣዘዝ ብህይወት ክትነብር
ተመን መጸ ብጉርሑ ከስሕት ከታልል
ሰብ ወደቐ ካብ ክብሪ - ምልኪ ነታ ምድሪ
ፈትዩ ኣረከባ ነታ ርስቱ ነቲ መታለሊ
ኣየ ሰብ ንሓድሕዱ ክዋቐስ ጀመረ ብዘገበሮ ጉድለት
ጽድቂ ኣምላኽ ተገልጸ ብፍርዲ ኣብ ገነት
ሰብ ተስጒጉ ወጸ ካብታ ዝነበራ ገነት
ክነብር ጀመረ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ህይወት
ሽዑ ተፋርየ ንምድሪ ክመልኣ
ሓጢኣት በዝሐ ንምድሪ ኣኽፍኣ
ኣምላኽ ተጣዕሰ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ
ክድምስሳ ወሰነ ንምድሪ ብኹላ
ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ተረኽበ
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ዝረኸበ
ምስ ስድርኡ ክድሕን ብኣምላኽ ተነግሮ
ብእምነት ተኣዘዘ ክገብር ከምቲ ዝተባህሎ
ኣምላኽ ብማይ ኣይሂ ምስ ደምሰሰ ንምድሪ
ብድሕሪኡ ኖህ ጀምረ ክበዝሕ ክፈሪ
ከም ብሓድሽ ከመልኣ ክመልካ ንምድሪ
ከምቲ መጀመርታ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ምኽሪ
ሰብ ግና ቀጸሎ ምናባር ብሓጥኣት ብኽፍኣት
ሕጅውን ጀመረ ክደሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብረት
ጀመሩ ክስርሑ ስሞም ከጸውዑ
ኣምላኽ ምስ ርኣዮም መሊሱ ተቝጢዐ
ምስ ተመልከት ናይ ልቦም ሃቐና
ወረደ ናብ ምድሪ ንባቤለ ክብትና
ኣምላኽ ሓረየ ዝኾኖ ወኪል
ኣብርሃም ተመርጸ ከነ ብዓል ዕድል
ወጸ ናብቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ክኸውይድ
ተነግሮ ብኣምላኽ ዘርኡ ከም ዝስደድ
ድሕሪ ብዙሕ ትጽቢት ዓመታት
እምነት ኣብርሃም ተፈቲና ምስ ወጸት
ይስሓቕ ተወልደ ከምቲ ተስፋ ኣምላኽ
እት ዓሌት ክቕጽል ዝወርስ ንኣምላኽ
ኣብ ሰዶም ጎሞራ እተን እኩያት ስፍራ
ሓጢኣት ዝመልአን ንኣምላኽ ዘየኽበራ
ቀጸላ ደኣ ብብዙሕ ሓጥያት ክዕንድራ
ቊጥዓ ኣምላኽ ደኣ ንፍርደን ኣልዓዓላ
ሕጂውን ኣይተሳእነን ኣብ ማእከለን
ንኣምላኽ ዝፈርሕ ንእኤን ዝኹንን
ፍርዲ ኣምላኽ መጸ ክግልብጠን
መልእክቲ ተላእኩ ብሓዊ ብስልጣን
ንሎጥ ኣውጽእዎ መታን ክድሕን
ያእቆብ ተወልደ ሒዙ ዓካርዓካሪቶ ሓው
ዝፍትን ከወርስ በረኸት ብሓይሉ ብብልሑ
ኣምላኽ ግና ኣልዘቦ ወሲዱ ናብ ላባን
ብብዙሕ ይሕሊፉ ገበሮ ብኣምላኽ ዝእመን
መውዳእቱ በቕዐ ነብዪ ልዑል ክኸውን
ንደቁ ነገሮም ብዛዕባቲ ዝመጽእ ዘመን
ያእቆብ ስሙ ተቐየረ ክኸውን እስራኤል
ኣምላኽ ኣቖመ ሃገር ንእኡ ትውክል
ዮሴፍ ተወልደ ብዓል ሕልሚ ራኢ
የሕዋቱ ዝሸጥዎ ናብ ግብጺ ብቕንኢ
ኣምላኽ ግና ምስኡ ስለዝነበረ
ኣብ ምድሪ ሰደቱ ደኣ ልዓለ ከበረ
ራኢኡ ክፍጸም ደርቂ መጸ ኣብ ምድሪ
የሕዋቱ ወረዱ ንግብጺ ክሽምቱ እኽሊ
መጽኡ ናብ ዮሴፍ እኽሊ እንተሎ ክሓቱ
መጺኦም ሰገድሉ ነቲ ዝነቓዎ ዝበልዎ ሞይቱ
ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ብልግሲ ሃቦም
ኩሉ ዘድልዮም ዝኾኖም ንምግቦም
ጀሚሩ ክኣልዮም ክከናኸኖም
ተረዲኡ ኣምላኽ ከም ዝለኣኾ ከድሕን ንእኦም
ዮሴፍ ንቤት ኣቦኡ ናብ ግብጺ ኣምጽአ
ክሓልየሎም ክኾኑ ምስኡ ኣብቲ ዝበለጸ
እስራኣኤል ድሓነ ካብ ደርቂ በቲ ዝንኣሰ
ሕልሚ እቲ ሓላሚ ተፈጸሙ ብግልጺ
ቀዳማይ ሚንስተር ብምዃኑ ኣብ ግብጺ
ግናኸ ዮሴፍ ናብ ኣቦታቱ ቅድሚ ምእካቡ
ብእምነት ተነበየ ምብጻሕ ኣምላኽ ንህዝቡ
በለ ከኣ ኣምላኽ ንህዝቡ ምስ በጽሖም
ንሬስኡ ምስኦም ክወስድዎ ነሕዋቱ ተላበዎም

ዕላማ እዛ ጽሕፍቲ ንመጽሓፍ ዘፍጥረት ጸሚቕካ ብግጥሚ መልክዕ ንምቕራብ።

0 comments
Other Poem