አየቋርጽን እየ

Posted on 2013-09-26 · 1184 · 0 · 0

12 resources uploaded

አየቋርጽን እየ አብቲ ዝበለኒ ከይበጻሕኩ
ክግስገስ እየ አብ አምላኸይ ተስፋ እንዳገበርኩ
ነቲ ዝበሎ ክገብሮ እዩ አይጠልመንን እዩ
ኤልሻዳይ አምላኽዩ ሰብ አይኮነን ንሱ

መወዳእታይ ከም መጀመርታይ አይኮነን
አይትዳህለል ጸላእየይ አይትሓንሕን
አጸቢቑ ዓቢዩ አብ ውሽጠይ ዘሎ
ኩነታት፣ሽግር፣ጥልመት ጠጠው ዘየብሎ

ንአምላኸይ ሒዘ ነቲ ተስፋ ክብረይ
ጠጠው አይብልንየ ክቕጽል እየ ጉዕዞይ
ግዜ እኮ አዝዩ ነዊሕ እንተመሰለ
ናይ ግዜ አምላኽ እንድየ ሒዘ

አቤት ዝርእዮ ዘለኹ ደሚቕ ብርሃን
ናተይ ናይ በረኸትን ዕረፍትን ዘበን
እግዚአብሄር ዘኒኑኒዩ ምሉእ ምዝናን
ቀኒዐ እየ ዝርእዮ መጻኢየይ
ተአማሚነ ብአምላኸይ!

0 comments
Other Poem