ጫፍ ‘ታ ገመድ

Posted on 2014-10-30 · 1256 · 0 · 0

32 resources uploaded

ኣብ ጉዕዞኡ እንድዩ ረኺብዋ
እዚኣስ ፍልይቲ ’ያ ኢልዋ
ዘብለጭለጭ ትርኢት ሰለ ዘለዋ
ካብ ልቡ ፈትይዋ ደልይዋ
በለ “ ካብ ኩለን ጽብቕቲ'ያ ሓለፋ 'ለዋ ”
“ በለጸት ” ኢሉ ኸኣ ሰምይዋ

ብኢዱ ሓዛ ዓተራ
ክስሕባ ጀመረ ክዝርዝራ
ክርኢ መወዳእታ ነገራ
ክእክባ ናቱ ክገብራ
እናተዘናግዐ በቲ ሕብራ
ቀጸለ ምስሓባ ምዝርዛራ

እንሓንሳእ ጽንዕ ትብሎ ‘ሞ ትርር
ኣእምሮኡ ምስኣ ይጭነቕ ይዋጠር
ጸኒሓ ትብል ‘ሞ ፍኹስ ዝርዝር
ይብል ክምስ ጭንቀቱ ኸኣ ይበርር
ጫፋ ኽረክብ ናይ ሓይለ-ቦኡ ይጽዕር
ክፍክር ብእኣ ክጥዕመሉ ምጅሃር

ግናኸ . . .ኣይሓሰብን’ዩ ገለ ኸይገጥሞ
ከይኸውን ጫፋ እሾኽ ‘ተጠምጠሞ
ወይ ኣፍልቡ ዝወግእ ኵናት ‘ተገጥሞ
ዘየላቡ ሞት ብድንገት ከየፋንዎ
ኣምላኽ ይኽደኖ
ካብ ጥፍኣት የድሕኖ !

“ ንሰብ ቕንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ መወዳእታኣ ግና ሞት እዩ። ”
(ምሳ 16: 25)

0 comments
Other Poem